Overslaan en naar de inhoud gaan
Naslagwerk

Vragen?

088 900 1000
Maandag - Vrijdag 08:30 - 17:00 uur

Brochure እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር_Tigrinya

እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር፤ ንመንግስታዊ ትካላትን ንዓኻን

 ዝኾነ ሰብ ኩሉ ግዴታ ኣለዎ ምምዝጋብ ውላድ ቆልዓ ወይ ከኣ ገዛ ከም ዝቐየረን ንምምሕዳር ከተማ (ማዛጋጃ ቤት) ክሕብር። እንተኾነ ግና መንግስቲ እንታይ ይገብር ይኸውን በቲ ኩሉ ዝተዋህቦ ሓበሬታ ናይ እዚኦም ነበርቲ ሰባት?

ኣብዚ ሓበሬታ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታ ተተንቲኑ ተንብብ ከም በዓል ኣብ እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር ይህልው ከምኡ’ውን ንምንታይ እዮም ዝጥቀምሉ ዝኾኑ። በዚ መሰረት እዚ ከኣ እቲ ናትካ መሰልን ግዴታን ሰሪዕና ንሕብር። ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ ግዜ ክትነብር እንተደኣ ኮንካ፡ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ከመይ ከም ዝኾነ ኣንብብ።

ስለምንታይ እዩ እቲ እዋናዊ ምዝገባ ኣብ ምምሕዳር ዘድልይ? መንግስቲ እቲ ልክዕ ዝኾነ ሓበሬታ የድልዮ ካብ ነበርቲ ሃገር። ንምሳለ ፓስፖርት፣ መንነት ወረቐት ወይ ከኣ ፍቓድ መዘወሪ ተሽከርካሪ (መኪና) ኣሳሊጦም ክህቡኻ፣ ኣብ ግዜ ምርጫ መን ክመርጽ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ፣ ኣውትከሪንግ (ገንዘባዊ ሓገዝ) ኣመሓዲሮም ከቕርቡልካ ከምኡ’ውን ናይ ምምሕዳር (ማዘጋጃ ቤት) ግብሪ/ ቀረጽ ከኽፍሉኻ። ኣብ ርእሲኡ እውን ትካላት ከም በዓል ኣገልግሎት ግብሪ (ቀረጽ)፣ ኣውትከሪንግ (ገንዘባዊ ድጋፍ) ንናይ ጥሮታ ማዕከን ገንዘብ ነዚ ናይ እዋናዊ ምምሕዳር ሰባት ኣብ ምምሕዳር ይጥቀምሉ ነቲ ዝህብዎ ውሳነ ብልክዕ መዚኖም ክውስኑ ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ። ብስም ሚኒስትሪ ውሽጣዊ (ዞባዊ) ምምሕዳርን ንጉሳዊ ግዝኣትን ዘለው ኩሎም ምምሕዳራት (ማዘጋጃ ቤታት) ኣብ ኔዘርላንድ ነቲ እዋናውን ትኽክል ዝኾነ ሕጋዊ ደረጃን ናይ እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር (ማዘጋጃ ቤት) ብሓላፍነት ይሰርሑ።

ኣየናይ ውልቃዊ ሓበሬታ?

ኣብ ኔዘርላንድ እቲ ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር መዝገብ ዓቒቦም ይሕዝዎ፡ ብኣሕጽሮ ቃላት ከኣ BRP ይበሃል። ኣብዚ መዝገብ እዚ ከኣ እቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ ኩሉ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ወይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዝነብር ዝነበረ ይኹን ይህልው። ኣብ BRP ንምሳለ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ናትካ ይህልው።

  • ስም;
  • ዕለት ትውልዲ፡ -ቦታ ከምኡ’ውን -ሃገር;
  • ኣድራሻ;
  • ውልቃዊ ኣገልግሎት ቁጽሪ (BSN);
  • ወለድኻ;
  • ዜግነት (ከምኡ’ውን ምናልባት መሰል መንበሪ ፍቓድ);
  • ናይ መርዓ ወይ ከኣ ምዝጉብ ብሓባር ዝነብሩ;
  • ቆልዑት;
  • ናይ መጓዓዝያ ሰነድን መንነት ወረቐትን;
  • መሰል ምምራጽ.

መንግስቲ ብኸመይ ይረኽቦ ነዚ ኩሉ ውልቃዊ ሓበሬታ እዚ?

ኣብዚ ሓበሬታ እዚ ንስኻ ናይ ግድን ክትህቦ ዘሎካ ሓበሬታ ኣሎ፡ ንምሳለ ንስኻ ገዛ እንተደኣ ቐይርካ ኮንካ፣ ቆልዓ ወሊድካ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተመርዒኻ ኮንካ ወይ ከኣ ካብ ስድራ ቤትካ ሞይቱካ ኮይኑ። ሓደ-ሓደ ሓበሬታ ብኡንብኡ ይምዝገብ ወይ ከኣ ይቕየሩ፡ እዚ ዝኾነሉ ከኣ ንምሳለ እንተደኣ ኣብ ኔዘርላንድ ተመርዒኻ። እቲ በዓል መዚ ናይ ምሕደራ ህዝቢ ናብቲ እትነብረሉ ቦታ ምምሕዳር ይሕብሮም።

እንተደኣ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ ክትነብር ደሊኻ

ካብ ወጻኢ ሃገር መጺእካ ከምኡ እውን ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንላዕሊ ኣብ ኔዘርላንድ ክትነብር ደሊኻ? ኣብዚ ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ ክትነብር ካብ ዝጀመርካሉ ግዜ ኣትሒዝካ ክትምዝገብ ኣሎካ ኣብቲ ንስኻ እትነብረሉ ዘሎኻ ምምሕዳር። እቲ መንበሪኻ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ግድን ሕጋዊ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። እዚ ክንብል ከሎና ከኣ ንስኻ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘሎካ፣ ወይ ዜግነት ናይ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ኤውሮጳ ቁጠባዊ ዞባ ወይ ስዊዘርላንድ፣ ወይ ግዜኡ ዘየሕለፈ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ።

ንኹሉ ሰብ ፍሉይ ውልቃዊ ኣገልግሎት ቁጽሪ

እቲ ውልቃዊ ኣገልግሎት ቁጽሪ (BSN) ናትካ ናይ ውልቅኻ ቁጽሪ ነቲ ምስ መንግስቲ እትገብሮ ርክባት እትጥቀመሉ እዩ። እዚ ፍሉይ ቁጽሪ እዚ ከኣ ዝሕግዘካ ንምሳለ ናይ ሰባት እንታይነት ሓበሬታ ከይደናገር ይሕግዝ። ኩሉ ሰብ ንመጀመርያ ግዜኡ ተመዝጊቡ ኮይኑ ኣብ BRP ሓድሽ BSN ይወሃቦ። ከምኡ እውን ሓድሽ ውላድ ቆልዓ ተመዝጊቡ ኮይኑ፡ እዚ BSN ቁጽሪ እዚ ብኡንብኡ ይወሃቦ። እቲ ናትካ BSN ከኣ ኣብ ፓስፖርት ናይ ኔዘርላንድ፣ ፍቓድ መዘወሪ ተሽከርካሪ (መኪና) ከምኡ ከኣ ኣብ መንነት ወረቐት ይህልው። እቲ BSN ከኣ ንዓኻ ይኹን ንመንግስቲ ብልጫ ወይ ጥቕሚ ኣለዎ። እዚ ከኣ ነቲ እትገብሮ ዝኾነ ርክባት ምስ ምምሕዳር ማዘጋጃ ቤት ይኹን ምስ ካልኦት (መንግስታዊ) ትካላት ስራሕ የቃልሎ። እንተደኣ ክትሰርሕ ደሊኻ፡ እታ ናትካ BSN ንወሃብ ስራሕካ ትህብ። በዚ መሰረት እዚ ከኣ እቲ ወሃብ ስራሕካ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምሳለ ምስ ኣገልግሎት ግብሪ/ ቀረጽ ከምኡ’ውን ናይ ጥሮታ ማዕከን ገንዘብ የሳልጠልካ። ከምኡ’ውን ክንክን ጥዕና ነዚ BSN እዚ ይጥቀምሉ። ኣብ ክኢላ ሓፈሻዊ ሓኪም (huisarts)፣ ኣብ ሆስፒታል፣ ኣብ ፋርማሲ ወይ ከኣ ወሃብቲ ሓገዝ ኣብ ገዛ (thuiszorg) ክትሓትት ደሊኻ እውን ነቲ ናትካ BSN ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ www.rijksoverheid.nl ተወከስ።

እቲ ናትካ ብሕታዊ መሰል ሕልው ይኸውን

ኣብ BRP ከኣ እቲ ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ ንዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ቅሉዕ ኣይኮነን። መንግስቲ ናይ ኩሉ ህዝቢ ብሱቱር ምስጢር ሒዙ እዩ ዝጥቀመሉ ነቲ ናትካ ሓበሬታ። ምእንታን ብልክዕን ትኽክልን ክሰርሕ።

እንታይ ዓይነት መሰላት ኣሎካ?

ኩሉ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ BRP ንመጀመርያ ግዜ ተመዝጊቡ ኮይኑ፡ ከም ዝተመዝገበ ዘመልክት ቅዳሕ ጽሑፍ ይወሃብ። እዚ ቅዳሕ ጽሑፍ እዚ ኣይትኸፍለሉን ኢኻ። ከምኡ’ውን ከም ብሓድሽን እንደገናን ኣብ ኔዘርላንድ ክትነብር መጺእካ፡ ብነጻ ይወሃበካ እቲ ቅዳሕ ጽሑፍ።

ንስኻ ነቲ ናትካ እንታይነት ሓበሬታ ኩሉ ግዜ ኣብ BRP እትነብረሉ ምምሕዳር ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እንተደኣ ቅዳሕ ጽሑፍ ኣብ ወረቐት ደሊኻ፡ እቶም ምምሕዳር ነዚ ክፍሊት ክትከፍል ይሓቱ። ከምኡ እውን ነቲ ናትካ ሓበሬታ ጽሑፍ ብ mijn.overheid.nl ኣብ ዝብል ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

እንተደኣ እቲ ናትካ ሓበሬታ ጽሑፍ ዘይተማልአን ጌጋ ኣልይዎ ኮይኑ፡ ንስኻ ከም ዝስተኻኸልን ዝጎደለ ከተማልእን ትኽእል ኢኻ። እቲ ምምሕዳር ከኣ ንዓኻ ናይ መርትዖ ጽሑፍ ይሓተካ። ነዚ ክንብል ከሎና ነቲ ናትካ ሓበሬታ ካብ BRP ከተወግዶ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ብጀካ (ፍሉይ) ሓደ-ሓደ ዝተፈላለየ ንጹር ጉዳያት ተመዝጊቦም ነጺሮም ዝርከቡ ኣብ ሕጊ ናይ እዋናዊ ምዝገባ ሰባት ኣብ ምምሕዳር።

ከምኡ እውን ንስኻ ነቲ ምምሕዳር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ነቲ ናትካ ሓበሬታ ጽሑፍ ንሓደ-ሓደ ትካላት ንከይወሃበልካ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ሓበሬታ ካብቲ ምምሕዳር ዘለኻዮ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ርእሲኡ ከኣ ኣብቲ ተመዝጊብካ እትነብረሉ ምምሕዳር ዝርዝር ሓፈሻዊ መግለጺ ክትሓትት ትኽእል፡ ኣየኖት ትካላት እቲ ናትካ ሓበሬታ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዋህበ። እዚ ዝርዝር ሓፈሻዊ መግለጺ እዚ ከኣ ኣይትኸፍለሉን ኢኻ። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዝርዝር መግለጺ እንታይ ዓይነት ትካላት እቲ ናትካ ጽሑፍ ሓበሬታ ክወሃብ ከም ዝኽእል ንሓበሬታ ናብ እዚኣ ዌብ-ሳይት እዚኣ www.wiekrijgtmijngegevens.nl ተወከስ።

እንተደኣ ኣነ ይግባይ ክብል ደልየ ኣብቲ መሰላት ናተይ እንታይ እገብር? ብመሰረት AVG ንስኻ ሕቶ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ ንመሰላትካ፡ ስለዚ ከኣ መሰላትካ እንታይ ምኳኑ ኣብቲ ተመዝጊብካ እትነብረሉ ምምሕዳር ትሓትት። ኣብ ሓደ ወርሒ ግዜ ከኣ ውሳነ ይወሃበካ ነቲ ዘቕረብካዮ ሕቶ።

እንተደኣ ኣነ ሕቶ ይኹን ጥርዓን (ኣቤቱታ) ኣልዩኒ ኮይኑ?

ኣብ ኩሉ ምምሕዳራት ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድ ፍሉይ በዓል መዚ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣለው ነቲ ብሕታዊ መሰል ዝከታተልን ዝዕዘብን። ንስኻ እውን ምስ እዚ በዓል መዚ እዚ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ በቲ እትነብሮ ምምሕዳር ገርካ። እዚ በዓል መዚ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ውሽጣዊ ስርሓት ትዕዝብቲ ይገብር ነቲ ብሕታዊ መሰል ብጽኑዕ ብምክትታል። ኣብዚ ከኣ ንስኻ መሰል ይወሃበካ ናብ እዚኦም ሰብ መዚ እዚኦም ክሲ መስሪትካ ክትከስስ ብዛዕባ እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር። እዚ ከኣ ብ ኦን-ላይን (online) ወይ ከኣ +31 (0)88 180 5250 ብምድዋል።

እንታይ ዓይነት ግዴታ ኣሎካ?

ንስኻ ናይ ግድን ኣብቲ እትገብሮ ርክባት ምስ መንግስቲ ኩሉ ግዜ ግዜኡ ዘይሓለፈ መንነትካ ከተርእይ ኣሎካ።

እንተደኣ እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ሓቲቱካ፡ ንስኻ ከኣ ግዴታ ኣሎካ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትህብ ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ BRP ዝተመዝገበ።

እንተደኣ ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድ ገዛ ቐይርካ፡ ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ቅድሚ ወይ ከኣ እንተነውሐ ሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምቕያር ነቲ ናይ ኣድራሻ ምቕያር ሓበሬታ ትህብ።

እንተደኣ ንነዊሕ ግዜ፡ ካብ ሸሞንተ ወርሒ ንላዕሊ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትነብር ኮንካ፡ ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ቅድሚ ምጋሽካ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ኸድካ ሓቢርካ ተመልክት። እንተደኣ ኣብ ውልቃዊ እንታይነትካ ለውጢ ገርካ ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ወጻኢ ሃገር፡ ኣብዚ ከኣ ናይ ግድን ንስኻ እቲ ናይ ፈለማን ሓቕን ዝኾነ ሰነድ ብዛዕባ እዚ ለውጢ እዚ ዝምልከት ከተርእይ ኣሎካ።
 

እንተደኣ ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ኔዘርላንድ ክትነብር ኢልካ መጺእካ፡ ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ ክትነብር ካብ ዝጀመርካሉ ግዜ ክትምዝገብ ኣሎካ ኣብቲ ንስኻ እትነብረሉ ዘሎኻ ምምሕዳር። ኣብ ርእሲኡ እውን እንተደኣ መጻምዲ ሓዳር ከምኡ እውን ቆልዑትካ ከተመዝግብ ደሊኻ፡ ናይ ግድን ንሳቶም እውን ምሳኻ ናብቲ ምምሕዳር ማዘጋጃ ቤት ሒዝካዮም ትመጽእ። ኣብቲ ወግዓዊ እትምዝገበሉ እቲ ናይ ፈለማን ሓቕን ዝኾነ ሰነድ ሒዝካ ትመጽእ፡ እዚ ከኣ መንነት ወረቐት፣ ኵነት መውስቦ ከምኡ እውን መንበሪ ቦታ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ዘሎካ ዝሕብር ተርእይ። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ናትካ ፓስፖርት ከምኡ እውን እንተደኣ ኣድላይ ኮይኑ መርትዖ ንስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ትነብር ከም ዘሎኻ ዘረጋግጽ ተምጽእ። ክትሓስቦ ዘሎካ ናይ ትውልዲ (ናትካን ናይ ደቕኻን)፡ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት (ከምኡ እውን ቅድሚ ሕጂ ተመርዒኻ እንተደኣ ነርካ ኮንካ) ናይ ክራይ ገዛ ወይ ከኣ ናይ ዋንነት ገዛ ውዕል እትነብረሉ ዘሎኻ ገዛ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ከኣ መርትዖ ምስ ዋና ገዛ ትነብር ኣሎኻ ኮንካ ዘረጋግጽ መርትዖ ተርእይ።

ካብዚ ዝስዕብ ዘሎ ኩነታት እውን ኣብ ምምሕዳር ብቐጥታ ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ፤

  • እንተደኣ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ኮይኑ ከምኡ እውን ዕላዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ኮይኑ። በዚ መሰረት ከኣ ንስኻ ናይ ግድን መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ኣሎካ ካብ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ናይ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኣገልግሎት ክፍሊ። ብዛዕባ እዚ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.ind.nl ዝብል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • እንተደኣ ዑቕባ ሓቲትካ ኮንካ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቦታ መዕቆብ ዑቕባ ዝሓተቱ ናይ ማእከላይ ኣካል መጸግዒ ዑቕባ (COA) ትነብር ኮንካ፡ ኣብዚ ከኣ COA ባዕሎም ይምዝግቡኻ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ዘሎኻ እዚ ከኣ ነተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማለት እዩ። ብድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ወይ ከኣ እንተደኣ ኣቐዲምካ ካብዚ ማእከል መንበሪ ወጻኢ ትነብር ኮንካ፡ ናይ ግድን ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ምምሕዳር (ማዘጋጃ ቤት) ትምዝገብ።
  • እንተደኣ ኣብ ካሪብያን ደሴታት ዘለዋ ናይ ንጉሳዊ ግዝኣት ትነብር ነርካ፡ ናይ ግድን ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ምምሕዳር ቦታ ቀይርካ ከም ዘሎኻ ዝሕብር መርትዖ ጽሑፍ ተቕርብ። እዚ ከኣ ምእንታን ኣብ ንጉሳዊ ግዝኣት ኔዘርላንድ ድርብ ምዝገባ ከይህልዎ ይኸውን።

ምምዝጋብ ከም ዘይ-ነባሪ ኣብዚ ሃገር

ካብ ወጻኢ ሃገር ዲኻ መጺእካ ከምኡ እውን ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንታሕቲ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ደሊኻ? ጽሑፍ ሓበሬታ “ምምዝጋብ ንሓጺር ግዜ ምንባር ኣብ ኔዘርላንድ” ዝብል ኣንብብ። እዚ ጽሑፍ ሓበሬታ እዚ ከኣ ኣብ www.rijksoverheid.nl ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ሕቶ?

ድሕሪ ምንባብ እዚ ጽሑፍ እዚ ተወሳኺ ሕቶ ኣሎካዶ? ምስቲ ናትካ ምምሕዳር ክትራኸብ ፈትን።

Delen

Scroll naar boven